ኤጳርቅና ማለት ሃገረ ስብከት ማለት እዩ። ኣብ ሓደ ክልል፡ ዝነብሩ ኣመንቲ ብቍምስናታት ተደራጅዮም ብጳጳስ እንክምርሑ እዩ። እዚ ማለት ድምር ናይ ነፍሲ ወከፍ ምእመን፡ ካህን፡ ገዳማዊን ገዳማዊትን፡ ጳጳስን ድምር እዩ። ብዙሕ ግዜ ዘይምርዳእ ዘሎ ይመስል፡ ሰበኻን ቍምስናታትን ፈላሊኻ ምርኣይ። እዚ ንሰበኻ እዩ ዝምልከት። ሰበኻ ገለ ነገር ክገብር ኣለዎ። ዚብል ኣበሃህላ ይዝውተር። በዚ ኣበሃህላ ሰበኻ ማለት ንጳጳስን ንቤት ጽሕፈት ሰበኻን እዩ ዘመልክት። እዚ ግን ጊጉይ ርድኢት እዩ። ርግጽ እዩ ጉዳይ ምሕደራ ብሕገ ቆኖና መሰረት፡ ጳጳስ፡ ቆሞስ፡ ዋና ጽሓፊ ሰበኻ፡ ምእመናን፡ ኩሎም ነናቶም ሓላፍነት ኣለዎም፡ እዚ ኸአ ተወሃሂዱን ተናቢቡን ንኽሰርሕ እዩ። ሓደ ብዘይካ እቲ ሓደ ክቐውም ኣይኽእልን። ኩልና መተዓይይቲ ኢና። ወይ ከአ ንሓደ ኣካል ክርስቶስ ነሓንጽ ኣካላት ኢና። 1ቆሮ 12፡12